ብዛዕባ COVID-19 ክታበታት
ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ዕድሚኦም 5 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝሎኑ ኵሎም ከምኡውን ገለ ኻብ 6 ወርሒ ኽሳዕ 4 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ነቲ COVID-19 ክታበት ንክረኽቡ ብቕዓት ኣለዎም።
COVID-19 ክታበታት ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ንኹሉ ሰብ ብዘይኽፍሊት ብናጻ እዩ። እዚ’ውን ናይ Medicare ካርዲ ንዘይብሎም ሰባት፤ ናይ ወጻእ ሃገር ጋያሹ፤ ዓለምለኸ ተማሃሮ፤ ስደተኛ ሠራሕተኛታት .እምኦ’ውን ንዕቆባ ደለይቲ ዝርካተ እዩ።
ክታበት ምርካብ ብባዕልኻ፤ ስድራቤትኻን ንማሕበረሰብካ ካብ COVID-19 ንምክልኻል ይሕግዝ እዩ።
መንግሥቲ ኣውስትራልያ ንክታበታት ምውሳድ ግዴታ ኣይገበረን ንስኻ እውን ኣንጻር COVID-19 ክትከላኸለሉ ዘይትኽእል ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።
ሓደሓደ ናይ ምምሕድዳር ክልልን ተሪቶርይ መንግሥቲ ሕዝባዊ ጥዕና ሓልየት ንዝውሃቡ ትእዛዛት ብሓደሓደ ዅነታት ነቲ ክታበት ብምውሳድ ምክልኻል ግደታ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት ንሕደሕደ ናይ ሥራሕ ዓይነታትን ንሓደሓደ ማሕበረሰባዊ ምንቕስቓሳት።
ክታበታት ድሕንነቲ ዝተሃለወ እዩ
COVID-19 ክታበት ምውሳድ ድሕንነት ዝተ ኣመነሉን ንናይ ሰባት ሕይወት ከምዘድሕን እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ሕክምና ጽሬት ምምሕዳር/Therapeutic Goods Administration (TGA) ንናይ COVID-19 ክታበት ድሕንነትን ንክመጽ እ ዝኽ እል ጸገማት ብቐረባ ኾይኑ ምክትታል ይቕጽለሉ።
ኣብ ኣውስትራሊያ ስለዝዳለው ሕድሕድ ክታበት ተወሳኺ መረዳእታ ምፍላጥ፡
ድሕሪ ክታበት ምውሳድኻ ሕቶ ወይ ዘተሓሳስብ ጕዳይ እንተሃልዩካ ንናትኻ ክታቦት ዘደልዎ ክሊኒክ ወይ ሓኪምኻ ኣዘራርብ።
መን እዩ ክታበት ክረኽብ ዘለዎ
ዕድሚኡ 5 ዓመትን ካብዚ ንላዕሊ ዝኾኖ ሕድሕድ ሰብ ንናይ COVID-19 ክታበት ክረኽብ ኣለዎ።
ብሰንኪ COVID-19 ብከቢድ ሕማም ወይ ካብ ሞት እቲ ዝበለጸ ምክልኻል እንተረኺብካ ንዕድመኻን ንጥዕናኻን ዜድሊ ዅሉ ዓቐን/doses ክታበት ክትወስድ ኣለካ።
ዕድሚኦም ካብ 6 ወርሒ ክሳዕ 4 ዓመት ንዝኾኑ ሓደሓደ ቆልዑት COVID-19 ክታበት ንምውሳድ ይፍቐደሎም እዩ።
- ከቢድ ሕማም ምክልኻል ዓቕሚ ድኽመት ንዘለዎም
- ናይ ኣካል ስንክልና ዘለዎም፤ ወይኻዓ
- ብናይ ኸቢድ COVID-19 ናይ ምትሓዝ እድሎም ንክውስኽ ዝገብር ዝተወሳሰበ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበለ ናይ ጥዕና ዅነታት ንዘለዎም ሰባት እዩ።
ዕድሚኦም ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 4 ዓመት ንዝኾኑ ቆልዑት ክረኽቡ ዘለዎም፡
- ክልተ ናይ ቐርዳማይ ግዘ ዓቐን/doses ናይ COVID-19 ክታበት
- ብኸቢድ ሕማም ምክልኻል ኣቅሚ ንዝተዳኸሞም ንካልኣይ ቐዳማይ ግዘ ዓቐን/doses ክታበት ምውሳድ ይኸውን።
ዕድሚኦም ካብ 5 ክሳዕ 17 ዓመት ንዝኾኑ ቆልዑት ክረኽቡ ዘለዎም፡
- ካልኣይ ናይ ቐዳማይ ግዘ ዓቐን/doses COVID-19 ክታበት
- ብኸቢድ ሕማም ምክልኻል ኣቅሚ ንዝተዳኸሞም ድማ ሳልሳይ ናይ ቐዳማይ ግዘ ዓቐን/doses ክታበት ምውሳድ እዩ።
- ናይ ሓጋዚ ዓቐን/doses ክታበት ምውሳድ ዘድልየሉ፡
- ኸቢድ ናይ ሕማም ምክልኻል ኣቅሚ ንዝተዳኸመ ሰባት
- ኣካለ ስንኩል ንዝኾኑ
- ብናይ COVID-19 ኸቢድ ሓደጋ ምውዳቕ ዘዛይዶ እተሓላለኸን/ወይ ብዙሕ ናይ ጥዕና ዅነታት ንዘለዎም
- ብመወዳእታ ዝተወሰደ ዓቐን/dose ክታበትን ወይኻዓ ብCOVID-19 ሕማም ምትሓዝ ምርግጋፅ ድሕሪ 6 ኣዋርሒ እንተሃሊፉ ይኸውን።
ውላድኻ ንናይ ሓጋዚ ዓቐን ክታበት ስለምውሳድ ሓኪምካ ክሕግዘካ ይኽ እል።
ዕድሚኡ 18 ዓመት ወይ ካብዚ ንላዕሊ ንዝኾነ ሰብ ኹሎም ክወስዱ ዘለዎም፡
- ክልተ ናይ ቐዳማይ ግዘ COVID-19 ክታበት
- ኸቢድ ናይ ሕማም ምክልኻል ኣቅሚ ድኽመት ንዘለዎም ሳልሳይ ናይ ቐዳማይ ግዘ ዓቐን/doses ክታበት
ዕድሚኡ 18 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀነ ዅሉ ሰብ ካብቲ ናይ መወዳእታ ዓቐን/dose ክታበት ወሲድኻ 6 ወርሒ እንተሃሊፉ ወይኻዓ እቲ ሕማም COVID-19 ዝተረጋጊጸሉ ግዘ እንተኾይኑ ነቲ ሓጋዚ ዓቐን/ dose ክታበት ንክትወስድ ኣብ ግምት ኬእቱ ይኽእል እዩ።
ብዛዕባ COVID-19 ሓጋዚ ዓቐን/dose ክታበት ምኽሪ ብዝበለጸ ንምፍላጥ፡
ሕጻውንቲ
ካብ ኦስቫክስሴፍቲ ዝተረኽበ ናይ COVID-19 የክታበት ድሕንነት ጭቡጥ መረዳእታ ከምቲዘርእዮ ዕድሚኦም ካብ 5 ክሳዕ 15 ዓመት ክልል ንዝርኸቡ ሕጻውንቲ ንCOVID-19 ክታበት ድሕሪ ምውሳድ በዚ ቐጺሉ ብዘሎ ማዓልታት ክፍጠረሎም ንዝኽእል ጸገማት ሪፖርቲ ይግበር እዩ።
ነቲ COVID-19 ክታበታት ብምውሳድ ንቕድሚት ኣብ ውላድኻ ዘይምውላድ ዘይፍሬማ ምዃን ከምዘይፍጠር ዘርእይ ምንም ዓይነት ማስረጃ የለን።
ብዛዕባ ኮቪድ/COVID-19 ንቘልዑን ኰተቴታትን ዝኸውን ክታበት ብዝያዳ ተምሃር።
ጥኑሳት ወይ ዜጥብባ ኣንስቲ
COVID-19 ክታበታት ጥንስቲ፤ ጡብ ምጡባብ ወይ ንምጥናስ እቅድ እንተሃልዩኪ ድሕንነቱ ዝትረሃለዎ እዩ። ኣብ ዝኾነ እዋን ጥንሲ ነቲ ክታበት ምውሳድ ይኻኣል።
ብዛዕባ ጥንሲ፣ ጡብ ምጡባብን COVID-19 ክታበታት ብዝበለጸ ምምሃር።
ኣካለ ስንኩል ሰባት
ናይ ኣካል መጕዳዕቲ ንዘለዎም ሰባት ብሰንኪ COVID-19 ብኸቢድ ሕመም ምትሓዝ እድሎም ላዕላዋይ ስለዝኾነ ነቲ ክታበት ንክውሃቦም ከምዘለዎ እዩ።
ተወሳኺ ሓገዝ ወይ ደገፍ እንተደሊኻ ንናይ ኣካለ ጕድዓተኛ መእተዊ ሓገዝ መስመር/Helpline ብስልኪ 1800 643 787 ምድዋል ትኽእል። ቆፀሮ ንምድላው ትኽእል።
ኣስተርጓማይ እንተደሊኻ ንናይ ትርጉምን ኣስተርጓማይ ኣገልግሎት ብስልኪ 131 450 ደውሉ እሞ ንናይ ኣካለ ጕድዓተኛ መእተዊ ስልኪ ንክድውሉልካ ሕተቶም።
እዋን’ዚ ናይ ጥዕና ጸገም ንዘለዎም ሰባት
ኣብዚ እዋን ናይ ጥዕና ጸገም ንዘለዎም ሰባት ብሰንኪ COVID-19 ዝፍጠር ብኸቢድ ሕመም ናይ ምትሓዝ እድሎም ግፍሕ ዝበል ስለዝኾነ ነቲ ክታበት ክውሃቦም ኣለዎ።
ብዛዕባ እቲ ንዅነታትካ ዚጠቅም ብጣዕሚ ጽቡቕ ክታበት ዝምልከት ኣዘውቲርካ ንኣላዪ ኽንክን ጥዕናኻ ኣዘራርቦ።
ክታበት ኣበይ ከምዝርኸብ
COVID-19 ክታበት ክትረኽብ ትኽእሎ፡
- ኣብ ኮመንዌልዝ ክታበት መውሃቢ ክሊኒካት
- ብናይ ተሳታፋይ ዝኾነ ሓፈሻዊ ሓኪማት
- ኣብ ኣቦርጅናት መቆጻጸሪ ማሕበረሰብ ሓለዋ ጥዕና ኣገልግሎታት
- ኣብ ምምሕዳር ክልል ወይ ተሪቶርይ ክታበት መውሃቢ ክሊኒካት፤ ከምኡ’ውም
- ኣብ ተሳታፋይ ዝኾነ ፋርማሲታት ይኸውን።
ሓፈሻዊ ሓኪማት ነቲ ክታበት ከኽፍሉ ኣይኽእሉን እዮም።
ብከባቢካ ክታበት መውሃቢ ክሊኒክ ንምርኻብን እሞ ቆፀሮ ንምድላው ብናይ Vaccine Clinic Finder ተጠቐም።
ኣብ ክታበት ቆፀሮኻ ብተለፎን ወይ ብኣካል ቐሪቡ ንትርጉምን ኣስተርጓማይ ኣገልግሎት እንተደሊኻ ብስልኪ 131 450 ምድዋል።
EVA፤ ከምኡ’ውን (ብቐሊሉ ክታበት ምርኻብ/Easy Vaccine Access) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣገልግሎት ብቋንቋኻ ብተለፎን ንናይ COVID-19 ክታበት ቆፀሮ ንምድላው ዝሕግዝ ኣገልግሎት እዩ። EVA ዝሰርሕ ካብ ንጕሆ ሰዓት 7am ክሳዕ ምሸት 10pm ሰዓት (AEST)፣ ኣብ ሰሙን 7 ማዓልታት ይኸውን። ብዛዕባ EVA ብዝበለጸ ንምፍላጥ ምፍታን።
Medicare ካርዲ እንተዘይሃልዩካ
ናይ Medicare ካርዲ እንተዘይሃልዩካ ካብ ማሕበረሰብ ፋርማሲዎችታትን ካብ ምምሕድዳር ክልል ወይ ተሪቶርይ ክታበት መውሃቢ ክሊኒካት (እዋን’ዚ ኣብ ሥራሕ ዘሎ) ብዘይክፍሊት ብናጻ ክታበት ክትረኽብ ትኽእል።
ቅድሚ COVID-19 ክታበትኻ
ቅድም ክብል ቆፀሮ እንተዘይሂዝኻ.
ናይ Medicare ካርዲ እንተሃልዩካ ዘለካ ዝርዝር መረዳእታ እዋናዊ ስለምዃኑ ምርግጋፅ፦
- ብናርኻ Medicare ኦንላይን ኣካውንት ብmyGov ኣቢልካ
- Express Plus Medicare app/አፕ
- ናብ ኣገልግሎት ኣውስትራሊያ በመደወልብምድዋል
ቅድሚ ቆፀሮ ወይ ንኻልእ ሰብ ንናይ ክታበት ውሳነ ትገብር እንተኾይኑ ናይ ስምምዕነት መውሃቢ ቅጥዒ ንክትመልእ ክትሕተት ትኽእል።
ንስምምዕነት መውሃቢ ቅጥዒ ምንባብ።
ዕድሚኦም ካብ 5 ክሳዕ 11 ዓመት ንዝኾኑ ቆልዑት ኣብ ስምምዕነት መውሃቢ ቅጥዒ ንዘሎ ምንባብ።
ድሕሪ COVID-19 ክታበትኻ
ሓሓሊፉ ናይ ምኵሳዕ ስሚኢት አለርጂክ ዋላ እንተሃለወ ድሕሪ ክታበት ምውሳድኻ ብውሕድ ን15 ደቓይቅ ምክትታል ይግበረልካ እዩ። ነቲ ክታበት ዝሃበካ ሰብ ቐልጢፉ ምላሽ ከምዝህብ እሞ ሥልጠና ትምህርቲ ተዋሂብዎ እዩ።
መብዛሕትኡ ግዘ ካብቲ COVID-19 ክታበታት ዝፍጠሩ ጸገማት ፈኵስን ካብ 1 ክሳዕ 2 ማዓልታት ውሽጢ ይጠፍእ። ልሙድ ሳዕቤን ጐዳኢ ጸገማት ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡
- ኣብ መርፍእ ዝተወግኣሉ ኵርናዕ ኢድ ሕመም
- ናይ ድኻም መንፈሲ
- ሕማም ርእሲ
- ሕማም ጭዋዳ
- ረስኒን ቍሪ ቍሪ ምባል
ከም ኻልኦት ፈውሲ ወይ ክታበት፤ ሓሓሊፉ ዝፍጠር ወይ ዘይተፈልጠ መጕዳእቲ ክነብር ይኽእል። ከቢድ ሳዕቤን ጕድዓት ዘለዎ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ ምስ ሰብ ሞያ ኽንክን ጥዕናኻ ወይ ምስ ሃገራዊ ኮሮናቫይስ ሓገዝ መስመር ተራኸብ።
ኣስተርጓማይ እንተደሊኻ ናብ ሃገራዊ ኮሮናቫይረስ ሓገዝ መስመር/Helpline ደውል እሞመማረውጺ ንቍጽሪ 8’ ምፅቓጥ።
ንክታበት ምውሳድ መረጋገጺ
ንናይ COVID-19 ክታበትኻ መረጋገጺ ምርኻብ ትኽእሎ ብናትኻ ሕማም መከላኸሊ ክታበት ዝተውሃበ ጽሑፋዊ መግለጺ እዩ።
ንናትኻ ሕማም መከላኸሊ ክታበት ጽሑፋዊ መግለጺ ክትረኽቦ ትኽእል፡
- ብኦንላይን መስመር ኢንተርኔት ጌርካ ንናትኻ myGov ኣካውንቲ ብምድላውን ብድሕሪኡ ድማ Medicare online ኣካውንቲኻ ኣቲኻ ምጥቓም እዩ
- ብናይExpress Plus Medicare mobile app ኣቢሉ።
Medicare ካርዲ እንተዘይሃልዩካ ወይኻዓ myGov ኣካውንቲ ክትጥቐም ዘይትኽእል እንተኾይኑ፤ ንናትኻ ሕማም መከላኸሊ ክታበት ጽሑፋዊ መግለጺ ክትረኽብ ትኽእሎ፡
- ንክታበት ዝውሃበኻ ሓድ ቅዳሕ ሓቲሙ ንክሕበኻ ምሕታት
- ናብ ኣውስትራሊያ ሕማም መከላኸሊ ክታበት ምዝገባ/ሬጅስትራር ሕቶ መዳለዊ መስመር ብስልኪ 1800 653 809 ጌርካ (ካብ ንጕሆ 8 am – 5 pm ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርብ AEST) ብምድዋል ንናትኻ ጽሑፋዊ መግለጺ ወረቐቲ ብፖስታ ተጌሩ ንክልኣኸልካ ምሕታት እዩ። ብፖስታ ተጌሩ ክሳብ ዝበጽሕ 14 ማዓልታት ክወስድ ይኽእል።
ንናይ COVID-19 ክታበትኻ ብኸመይ ማስረጃ ምርኻብ ከምዝኻኣልት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርኻብ ኣብ ድረገጺ Services Australia website ኣቲኻ ምርኣይ።
ንዝተኣመነ መረዳእታ ኣበይ ከምዝኽየድ
እሙንን ሕጋዊ ብዝኾኒ መገልገሊታት ኣቢልካ ብዛዕባ COVID-19 ከምኡ’ውን ብዛዕባ COVID-19 ክታበት መውሃቢ ፕሮግራም እንዳፈለጥኻ ምጽናሕ ኣገዳሲ እዩ።
ብናይ COVID-19 ክታበታት ዝልኣሉ ልሙድ ሕቶታት መልሲ ምርኻብ ይኻኣል ብ 63 ቋንቋታት።
ብዛዕባ COVID-19 ክታበታት ብቋንቋ ዝተዳለወ መገልገሊታት ዘኻተተ ናይ መረዳእታ ፓኬት ይርኸብ።
ብዛዕባ COVID-19 ብቋንቋኻ ንዘሎ መረዳእታ ኣንብቦ።
መገልገሊታት
ብዝበለጸ ዝተተርጎመ ንናይ COVID-19 ክታበት መረዳእታ ምርኣይ።