ኮቪድ/COVID-19 ክታቦታት

ክታበታት ብምውሳድ ካብ COVID-19 ቫይረስ ይከላኸለልና እዩ። ኣውስትራሊያ ውሽጢ ዕድሚኦም 5 ዓመትን ካብዚ ንላዕሊ ዝኾነ ሕድሕድ ሰብ ብናጻ ናይ COVID-19 ክታበት ንምውሳድ ቆፀሮ ምድላው ይኽእል።

ብዛዕባ COVID-19 ክታበታት

ኣውስትራሊያ ውሽጢ ዕድሚኦም 5 ዓመትን ካብዚ ንላዕሊ ዝኾነ ሰብ ኣብዚ እዋን ክታበት ንምውሳድ ቆፀሮ ከዳልዉ ይኽእል።

ክሊኒካት ንምርካብን ቆፀሮ ንምድላው

ኣውስትራሊያ ውሽጢ ንሕድሕድ ሰብ ናይ COVID-19 ክታበታት ብናጻ እዩ። በዞ ዚኻተቱ ሰባት፤ መዲከር ካርዲ ንዘይብሎም፤ ካብ ወጻእ ሃገር ዝጕብንዩ፤ ዓለምለኸ ተማሃሮ፤ ማይግራንት/ዝመጹ ሰራሕተኛታትን ንዕቑባ ሓተቲ ይኸውን። ክታበት ምውሳድ ዝሕግዞ ንናትኻ፤ ስድራኻን ማሕበረሰብካ ካብ ኮቪድ/ COVID-19 ንምክልኻል እዩ።

ኣውስትራሊያ መንግስቲ ንክታበት ምውሳድ ግደታ ስለዘይገበሮ እሞ ካብ COVID-19 ንምክልኻል ነቲ ክታበት ንምውሳድ ናትኻ ምርጫ ክኸውን ይኽእል

ብሓደሓደ ምምሕዳር ክልል ከምኡ’ውን ተሪቶርይ ህዝባዊ ሓለዋ ጥዕና ትእዛዝ ብሓደሓደ ኵነታት ነቲ ክታበት ምውሳዱ ግደታ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደሓደ ዓይነት ሥራሕቲን እንቕስቓሰ ሥራሕቲ ማሕበረሰብ።

ክታበታት ድሕንነቶም ዝተሓለወ እዩ

COVID-19 ክታበት ምውሳድ ድሕንነቱ ዝተሓለወን ንህይወት ዘድሕን እዩ። ኣውስትራሊያ ውሽጢ ናይ Therapeutic Goods Administration (TGA) ብቐረባ ኾይኑ ንናይ COVID-19 ክታበት ድሕንነትን ክፍጠር ንዝኽእል ጸገም ብምኽትታል ምቑጽጻር ይገብረሉ።

ኣውስትራሊያ ውሽጢ ስለዝዳለው ሓደሓደ ክታበት ብዝበለጸ ምምሃር:

ምስቲ ቫይረስ ብቐረባ ርክብ ክትገብር እንከሎ፤ ስብነትኻ ነቲ ቫይረስ ንከውግዶ ብናይ COVID-19 ክታበታት ትምህርቲ ይውሃቦ።

ድሕሪ ነቲ ክታበት ምውሳድኻ ዝኾነ ሕቶታት ወይ ዘተሓሳስበካ ጕዳይ እንተሃልዩካ ንናትኻ ክታበት መዳለዊ ወይኻ ንሓኪምካ ኣዘራርብ።

በበለጠ መማር ስለክትባትዎን ከወሰዱ በኋላ ምን እንደሚጠበቅ።

መን እዩ ክታበት ክረኽብ ዘለዎ

ዕድሚኡ 5 ዓመትን ካብዚ ንላዕሊ ዝኾኖ ሕድሕድ ሰብ ካብ COVID-19 ንምክልኻል ነቲ ክታበት ክወስድ ኣለዎ።

COVID-19 ክታበት ወሲድኻ ብሰንኪ COVID-19 ክፍጠር ንዝኽእል ከቢድ ሕማም ወይ ምሟት ይኸላኸለልካ እዩ።

ከምኡ’ውን ነቲ ክታበት ምርካብ ንናይ ቫይረስ ምስርጫው ከዳኽሞ ስለዝኽእል እሞ ብከባቢኻ ንዘለዉ ሰባት ንምክልኻል ይሕግዝ እዩ።

ንዘለኻ COVID-19 ከታበት ኣወሳስዳ እዋናዊ ከምዝኾነ አብ ግምት ውሽጢ ዚኣትዉ ብናትኻ ዕድመን ድሌትካ ንዝተሓበሩ ዓቐን መጠን/doses ክታበታት ኩሎም ምውሳድ ኣለካ።

ካብ ዕለት 5 መስከረም/September 2022 ዓ.ም ጀሚሩ ዕድሚኦም ካብ 6 ኣዋርሒ ክሳብ 4 ዓመት ንዝኾኑ እሞ ከኒድ ናይ ሕማም መከላኸሊ ኣቕሚ ዝተዳኸመ፤ ኣካል ጕድዓተኛ ወይ ዝተወሳሰበ ወይ ብዙሕ ናይ ጥዕና ጸገም ንዘለዎም ብሰንኪ COVID-19 ቫይረስ ከቢድ ጸገም ክፈጥረሎም ንዝኽእል ናይ COVID-19 ክታበት ንክወስዱ ይፍቐደሎም እዩ።

ኣብ ቐረባ እዋን ቆፀሮ ንከዳልዉ ይፍቐደሎም። በጃኹም ቆፀሮ ንምድላው እቲ ግዘ ጋና ስለዝኾነ ናብ ሓኪምኻ ዘይምድዋል እዩ። ቆፀሮ ንምድላው እቲ ግዘ ክበጽሕ እንከሎን ብኸመይ ከምዝኾነ ክነፍልጠኹም ኢና።

ዕድሚኦምካብ 6 ኣዋርሒ ክሳዕ 4 ዓመት ንዝኾኑ ሕጻውንቲ ክወስዱ ዘለዎም:

  • ንናይ ቐዳማይ ግዘ ዓቐን መጠን/dose 1’ን 2 ናይ COVID-19 ክታበት
  • ከቢድ ሕማም ምክልኻል ሓይሎም ንዝተዳኸመ ንናይ ቐዳማይ ግዘ ዓቐን መጠን/dose 3።

ዕድሚኦምካብ 5 ኣዋርሒ ክሳዕ 11 ዓመት ንዝኾኑ ሕጻውንቲ ክወስዱ ዘለዎም:

  • ንናይ ቐዳማይ ግዘ ዓቐን መጠን/dose 1’ን 2 ናይ COVID-19 ክታበት
  • ከቢድ ሕማም ምክልኻል ሓይሎም ንዝተዳኸመ ንናይ ቐዳማይ ግዘ ዓቐን መጠን/dose 3።

ዕድሚኦምከ12 እስከ 15 ዓመት ንዝኾኑ ሕጻውንቲ ክወስዱ ዘለዎም:

  • ንቐዳማይ ግዘ ዓቐን መጠን/dose 1 ከምኡ’ውን 2 ናይ COVID-19 ክታበት
  • ከቢድ ናይ ሕማም ምክልኻል ኣቕሚ ሓይሎም ንዝተዳኸመ ንናይ ቐዳማይ ግዘ ዓቐን መጠን/dose 3 ክታበት።
  • ንናይ ሓጋዚ ዓቐን መጠን/dose ናይ COVID-19 ክታበት ትወስዶ:
    • ብከቢድ ናይ ሕማም ምክልኻል ኣቕሚ ሓይሎም ዝተዳኸመ
    • ንኣኻል ጕድዓተኛን ብሰንኪ ዝተወሳሰበ ጥዕና ሓልየት ንዘድልዮም
    • ዝተወሳሰበን ወይ ብዙሕ ናይ ጥዕና ጸገም ንዘለዎም እዚ’ውን ብሰንኪ COVID-19 ቫይረስ ንከቢድ ጸገም ዘግድዶ ስለዝኾነ እዩ።

ውላድኻ ንሓጋዚ ክታበት ክረኽብ ከምዘለዎ ርግጸኛ እንተዘይኾይንካ ንሓኪምካ ኣዘራርብ።

ዕድሚኡ16 ዓመት ወይ ካብዚ ንላዕሊ ንዝኾነ ሕድሕድ ሰብክረኽብ ዘለዎ:

  • ንናይ ቐዳማይ ግዘ ዓቐን መጠን/dose 1 ከምኡ’ውን 2 ናይ COVID-19 ክታበት
  • ብከቢድ ናይ ሕማም ምክልኻል ኣቕሚ ሓይሎም ዝተዳኸመ ንናይ ቐዳማይ ግዘ ዓቐን መጠን/dose 3 ክታበት
  • ንሓጋዚ ዓቐን መጠን/dose ናይ COVID-19 ክታበት ትወስዶ።

መበል ኣርባዓይ ቅቅቐን መጠን/doses

ተወሳኺ ሓጋዚ ወይኻዓ ኣርባዓይ ዓቐን መጠን/dose ናይ COVID-19 ክታበት ንክወስዱ ዝሕበሮ ኣብ ከቢድ ሕማም ንዘለው ሰባት ከምዝኾነ እዚ’ውን ንናይ ቐዳማይ ሓጋዚ ዓቐን መጠን/dose ወሲዶም ድሕሪ 3 ኣዋርሒ ይውሃቦም እዩ።

ብከቢድ ናይ ሕማም ምክልኻል ኣቕሚ ሓይሎም ዝተዳኸመ፤ ንጸገም ጥዕና ወይኻዓ ኣኻል ጕድዓተኛ ንዝኾኑ ሰባት እዚ ዝውሃብ ናይ ሓሙሻይ ዓቐን መጠን/dose ክታበት ይኸውን።

ናይ ሓሙሻይ ዓቐን መጠን/dose ክታበት ክትረኽብ ዘለካ ንስኻ:

  • ዕድሜኻ 50 ዓመት ወይ ካብዚ ንላዕሊ እንተኾይኑ
  • ብዕድመ ሽማግለ ወይኻዓ ኣኻል ጕድዓተኛ ሓልየት መውሃቢ መገልገሊ ውሽጢ ትነብር እንተኾንካ
  • ብከቢድ ሕማም ምክልኻል ኣቕሚ ሓይሊ ዝተዳኸመ (እዚ ንሓምሻይ ዓቐን መጠን/dose ይኸውን)
  • ዕድሚኦም 50 ዓመት ወይ ካብዚ ንላዕሊ ዝኾኑ ኣቦርጂናል ወይ ቶረስ ስትራት አይላንደር
  • ዕድሚኦም 16 ዓመት ወይ ካብዚ ንላዕሊ ዝኾኑ እሞ ብሰንኪ COVID-19 ቫይረስ ዝፍጠር ከቢድ ሕማም ዘግድዶ ናይ ጥዕና ጸገም ንዘለዎም
  • ዕድሚኦም 16 ዓመት ወይ ካብዚ ንላዕሊ ዝኾኑ እሞ ኣኻል ጕድ ዓተኛ ወይ ብጣዕሚ ዝተወሳሰበ ሓልየት ጥዕና ንዘድልዮም ይኸውን።

ዕድሚኦም ካብ 30 ክሳዕ 49 ዓመት ንዝኾኑ ሰባት እንተደሊዮም ንመበል ኣርባዓይ ዓቐን መጠን/dose ክታበት ምውሳድ ይኽእሉ።

ንመበል ኣርባዓይ ሓጋዚ ዓቐን መጠን/dose ክታበት ክትወደ ከምዘለካ ርግጸኛ እንተዘይኾይንካ ንሓኪምካ ኣዘራርብ።

ብመርመራ ውጽኢት ናይ COVID-19 ቫይረስ ብኽለት እንተሃልዩካ ነቲ ቐጻላይ ናይ COVID-19 ክታበት ቕድሚ ምውሳድካ ን3 ኣዋርሒ ምጽባይ እዩ።

ንሓጋዚ ዓቐን መጠን/dose ክታበት ድሕሪ ምውሳድ COVID-19 ቫይረስ ንዝሃዞም ሰባት ንመበል ኣርባዓይ ዓቐን መጠን/dose ክታበት ቕድሚ ምውሳድ ብውሑድ 3 ኣዋርሒ ክጽበዩ ኣለዎም።

ያለዎትን COVID-19 ክትባቶች ወቅታዊ አድርጎ መቆየቱ ጠቃሚ ነው። ዝተፈላለዩ ሰባት ንዝተፈውላለዩ ናይ COVID-19 ክታበታት ብዝተፈላለየ ግዘ ንምውሳድ የድልዮም ይኸውን። ንስኻን ስድራቤትኻን ነቶም ክታበት እዋናዊ ንክኸውን እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ንናትኻ ሓለዋ ጥዕና መዳለዊ ኣዘራርብ።

ህጻውንቲ

COVID-19 ክታበታት ንህጻውንቲ ድሕንነቱ ዝተሓለወ እዩ።

ህጻውንቲ ነቲ ክታበት ብምውሳድ ነቲ ቫይረስ ናብ መንእሰያት ሓው ሓፍቲ፤ ኣቦ/ኣዶሓጎታትን ናብ ሙሉእ ማሕበረሰብ ከይመሓላለፍ ንምግባር ክትሕግዝ ትኽእል።

ብዝበለጸ ምምሃር ብዛዕባ ንህጻውንቲን መንእሰያት COVID-19 ክታበታት።

ንጥኑሳት ወይ ንናይ ኣዶ ጡብ ንዘጡና ደቂ ኣነስትዮ

ወይኻዓ ንምጥናስ እቅድ ንዘዳልዋ ደቂ ኣንስትዮ ንናይ COVID-19 ክታበታት ምውሳድ ድሕንነቱ ዝተሓለወ እዩ። ኣብዝኾነ እዋን ጥንሲ ደረጃ ነቲ ክታበት ምውሳድ ይኻኣል።

ብዝበለጸ ምምሃር ብዛዕባምጥናስን፤ ጡብ ምጡባብን COVID-19 ክታበታት።

ኣካል ጕድዓተኛ ንዝኾኑ ሰባት

ኣካል ጕድዓተኛ ንዝኾኑ ሰባት ብሰንኪ COVID-19 ብከቢድ ሕማም ጸገም ስለዘቓልኦም እሞ ክታበት ክወስዱ ኣለዎም።

ብዝበለጸ ሓገዝ ወይ ደገፍ እንተደሊኻ ንኣካል ጕድዓተኛ መሰጋገሪ/Disability Gateway ሓገዝ መስመር ብስልኪ1800 643 787 ምድዋል። ቆፀሮ ከዳልወልኹም ይኽ እሉ።

ኣስተርጓማይ እንተደሊኻ ንትርጉምን ኣስተርጓማይ ኣገልግሎት ብስልኪ131 450 ምድዋል እሞ ናብ ኣካል ጕድዓተኛ መሰጋገሪ ብስልኪ ንክድውሉ ምሕታት።

እዋን’ዚ ጸገም ጥዕና ንዘለዎም ሰባት

እዋን’ዚ ጸገም ጥዕና ዘለዎም ሰባት ብሰንኪ COVID-19 ንዝፍጠር ከቢድ ናይ ምሕማም ጸገም ከቓልኦም ስለዝኽእል ነቲ ክታበት ክወስዱ ኣለዎም።

ብዘለኻ ኵነታት ክታበት ንምውሳድ ድሓን እንተኾይኑ ንናትኻ መደባዊ ሓለዋ ጥዕና መዳለዊ ኣዘራርብ።

ክታበት ኣበይ ከምዝውሰድ

COVID-19 ክታበት ክትረኽብ ትኽእሎ:

  • ኣብ Commonwealth ክታቦት መውሃቢ ክሊኒካት
  • ተሳታፋይ ብዝኾነ ሓፈሻዊ ሓኪማት
  • Aboriginal Controlled Community Health Services
  • ኣብ ምምሕዳር ክልል ከምኡ’ውን ተሪቶርይ ክታበት መውሃቢ ክሊኒካት፤ ከምኡ’ውን
  • ኣብ ተሳታፋይ ብዝኾኑ ፋርማሲስታት እዩ።

ናይ ሓፈሻዊ ሓኪማት ነቲ ክታበት ከኽፍሉ ኣይኽእሉን።

ብከባቢኻ ንዘሎ ክታበት መውሃቢ ክሊኒክ ንምርካብን ቆፀሮ ንምድላው ንናይ ክታበት ክሊኒክ መድለይ/Vaccine Clinic Finder ምጥቓም። ኣብ ናትኻ ቆፀሮ ብስልኪ ወይ ብኣካል ቐሪቡ ኣስተርጓማይ እንተደሊኻ፤ ንትርጉምን ኣስተርጓማይ ኣገልግሎት ብስልኪ 131 450 ምድዋል።

Medicare ካርዲ እንተዘይሃልዩካ

Medicare ካርዲ ንዘይብሉ፤ ብናጻ ክታበት ክረኽብ ዝኽእሎ:

  • ኣብ Commonwealth ክታበት መውሃቢ ክሊኒካት
  • ኣብ ምምሕዳር ክልል ወይ ተሪቶርይ ክታበት መውሃቢ ክሊኒካት
  • ኣብ ተሳታፋይ ዝኾኑ ፋርማሲስታት እዩ።

ቅድሚ COVID-19 ክታበትኻ

ቅድም ክብል ቆፀሮ እንተዘይሂዝኻ።

ነቲ ክሊኒክ ንምርካብን ቆፀሮ ምድላው

Medicare እንተሃልዩካ፤ ናትኻ ጭቡጥ መረዳእታ እዋናዊ ንምዃኑ ምፍታሽ:

ቅድሚ ቆፀሮ ምድላው ንናይ ስምምዕነት መውሃቢ ቅጥዒ ንክትመልእ ክትህተት ትኽእል፤ ወይኻዓ ንዝኾነ ሰብ ነቲ ክታበት ንክወስድ ወሳናይ እንተኾይንካ እዩ።

ምንባብንስምምዕነት መውሃቢ ቅጥዒ

ምንባብዕድሚኦም ካብ 5 ክሳዕ 11 ዓመት ንዝኾኑ ህጻውንቲ መረዳእታን ናይ ስምምዕነት መውሃቢ ቅጥዒ

ድሕሪ COVID-19 ክታበትኻ

ድሕሪ ነቲ ክታበት ምውሳድኻ ምናልባሽ ሓሓሊፉ ንዝፍጠር ምኵሳዕ አለርጂክ ንምኽትታል ብዝውሓደ ን15 ደቓይቕ ምቍጽጻር ይግበር እዩ። ጸገም እንተተፈጢሩ ስልጠና ዘለዎ ክታበት ዘዳለወልካ ሰብ ቐልጢፍካ ምላሽ ይህብ እዩ።

ብሰንኪ COVID-19 ክታበታት ክፍጠሩ ንዝኽእሉ ጸገማት ምብዛሕትኡ ግዘ ውሑድን ካብ 1 ክሳዕ 2 ማዓልታት ውሽጢ ብባዕሎም ይጠፍኡ። ክፍጠር ብዝኽእል ልሙድ ጸገማት ዚካተት:

  • መርፍእ ኣብተወግኣሉ ኢድ ኵርናዕ ቓንዛ
  • ናይ ድኻም መንፈሲ
  • ሕማም ርዕሲ
  • ሕማም ጭዋዳ
  • ረስኒን ቍሪ ቍሪ ምባል እዩ።

ከም ዝኾነ ፈውሲታት ወይኻዓ ክታበታት ሓሓሊፉ ወይ ዘይፍለጥ ጸገማት ክፍጠር ይኽእል። ክፍጠር ዝኽእል ከቢድ ጸገማት ኣለኒ ብዝብል ትሓስብ እንተኾይንካ ንናትኻ ሓለዋ ጥዕና ሰበሞያ ወይኻዓ ንሃገራዊ ኮሮናቫይረስ ሓገዝ መስመር ኣዘራርቡ።

ስልኪ 1800 020 080

ኣስተርጓማይ እንተደሊኻ ንሃገራዊ ኮሮናቫይረስ ሓገዝ መስመር ምድዋልን ንቍፅሪ 8’ን ምምራጽ።

ክታበት ብምውሳድንምውሳድኻ ማስረጃ

ንናትኻ COVID-19 ክታበትካ ምውሳድ ማስረጃ ክትረኽብ ትኽእሎ ንናትኻ ሕማም መከላኸሊ ክታበት ታሪኽ ጽሑፋዊ መግለጺ ብምጥቓም እዩ።

ንናትኻ ሕማም መከላኸሊ ክታበት ታሪኽ ጽሑፋዊ መግለጺ ክትጥቐመሉ ትኽእሎ:

Medicare ካርዲ እንተዘይሃልዩካ፤ ወይኻዓ ንናይ myGov ኣካውንቲ መገልገሊ እንተዘይሃልዩካ፤ ንናትኻ ሕማም መከላኸሊ ክታበት ታሪኽ ጽሑፋዊ መግለጺ ክትጥቀም ትኽእሎ:

  • ክታበት ንዘዳለወልካ ቅዳሕ ወረቐቲ ሓቲሙ ንክህበካ ብምሕታት
  • ንAustralian Immunisation Register ሕቶ መቕረቢ መስመር ብስልኪ 1800 653 809 (ሰዓት 8 am – 5 pm ካብ ሰኑይ ካሳዕ ዓርቢ AEST) ብምድዋልን ብፖስታ ተጌሩ ንናትኻ ጽሑፋዊ መግለጺ ክልኣኸልካ ምሕታት እዩ። ብፖስታ ተጌሩ ክበጽሕ ክሳብ 14 ማዓልታት ክወስድ ይኽእል።

ንናትኻ COVID-19 ክታበት ምውሳድ ማስረጃ ብኸመይ ከምትረኽቦ ንዝበለጸ መረዳእታ ብድረገጺServices Australia ኣቲካ ምርኣይ

ተዓማናይ ንዝኾነ መረዳእታ ናበይ ከምዝኽየድ

ተዓማኒ ካብዝኾኑ ሕጋዊ መገልገሊ ምንጭታት ብዛዕባ COVID-19 ከምኡ’ውን ብዛዕባ COVID-19 ክታበት ኣወሳስዳ ፕሮግራም መረዳእታ እንዳረኸብካ ምጽናሕ ኣገዳሲ እዩ።

ብዛዕባ COVID-19 ክታበታት ንዝቐረቡ ልሙድ ሕቶታት መልሲታትብ63 ቛንቛታት ተዳልዩ እዩ

ብዛዕባ COVID-19 ክታበታት ብዝተፈላለየ ቛንቛ ዝተዳለወ information pack ጽሑፋዊ መረዳእታ ወረቐቲ ተዳልዩ ኣሎ።

ንመረዳእታ ምንባብ ብዛዕባ COVID-19 ብባዕልኻ ቛንቛ

መገልገሊታት (Resources)

Help us improve health.gov.au

If you would like a response please use the enquiries form instead.