ብዛዕባ ነዊሕ ግዘ COVID
እታ 'ነዊሕ ግዘ COVID' ዝብል ስያመ ብሓፈሻ ንኽልቲኡ ንምግላጽ እዩ ዝጠቕም፡
- ቀጻሊ ምልክታት COVID-19 - COVID-19 ንልዕሊ 4 ሰሙን ይቕጽል
- ድሕሪ እቲ COVID-19 ምልክታት ሕማም/ሲንድሮም ዝተፈልጦ ድሕሪ 12 ሰሙን ዚርአ ብናይ ኣማራጺ ምርመራ ዘይተገልጸ እዩ።
ነዊሕ ግዘ COVID ኣብ እተፈላለዩ ሰባት እተፈላለየ መልክዕ ኢዩ ዘለዎ ምልክታት ካብ ካልኦት ድማ ክሳዕ ከቢድ ጸገም ክበጽሕ ይኽእል ኢዩ።
ነዊሕ ግዘ COVID ምልክታት ሕማም
ነዊሕ ግዘ COVID ዘለዎ ምልክታት እዚ ዝስዕብ ኢዩ፡
- ድኻም መንፈሲ (ድኻም)
- ናይ ትንፋስ ሕጽረት
- ምስ ተዘክሮኻን ኣትኵሮኻን ('ብግመ ዝተሸፈነ ሓንጎል') ዚተሓሓዝ ጸገማት።
ካልእ ሕማም ምልክታት ድማ እዚ ዝስዕብ ኢዩ፡
- ምንፍርፋር ልቢ ቃንዛ ኣፍልቢ ወይ ምጥባቕ
- ሰዓል
- ኣብ መቐረቲ ወይ ሽታ ዚርአ ለውጥታት
- ናይ ኣጽሚ መላግቦን ጭዋዳታትን ቓንዛ
- መውጊን መርፍእን
- ድቃስ ምስኣን (ድቃስ ምስኣን/insomnia)
- ኣብ ባህሪ ጠባይ ዚርአ ለውጥታት (እናወሰኸ ዚኸይድ ምሽቓል ወይ ጭ፤ ምብስጫው ጭንቀት)
- ጽርውርው ምባል
- ሕማም ርእሲ
- ትሑት ደረጃ ዘለዎ ረስኒ
- ቈርበት ምስሓይ፤ ጭጕሪ ምስኣን
- ዕግርግር ምባል፤ ውጽኣት፤ ሕማም ከብዲ፤ ሕጽረት ኣመጋግባ ድሌት።
ኣብ ቈልዑ እዚ ዝስዕብ ምልክታት ኣሎ፡
- ምልክታት ምልውዋጥ ጠባይ
- ድኻም መንፈሲ
- ናይ ድቃስ ጸገም።
ንነዊሕ እዋን COVID ዜስዕቦ ሓደገኛ ረቛሒታት
ነዊሕ COVID ኣብቶም ከምዚ ዝስዕብ ዝብሉ ሰባት ኢዩ ዘጋጥም፡
- ክታበት ንዘይወሰዱ
- ብሰንኪ COVID-19 ብከቢድ ሕማም ዝሓሙ፤ እዚ’ውን ኣብ ኣስበዳለ ዝኣተው ወይ ብቐረባ ሓልየት ንዘድልዮም ዘኻተተ እዩ
- ቅድሚ ብCOVID-19 ምሕማም ማለት ደም ብዝሒ፤ ዘይጥዕይ ሕዱር ሕማም ሳንቡእ፤ ሕማም ሽኮርያ ከምኡውን ምርጓድ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ዅነታት ወይ ሕማም እንተኔርዎ እዩ።
ንነዊሕ እዋን COVID ሕክምና ምርካብ
COVID-19 ምስ ኣጋጠመካ ብዛዕባ እቲ ቐጻሊ ሕማም ምልክታት ትጭነቕ እንተኾይንካ ሕክምናዊ መርመራ ንምግባር ምስ ሓኪምካ ኽትራኸብ ኣሎካ።
ንነዊሕ እዋን COVID መርመራ የብሉን። ሓኪምካ ብዛዕባ ምልክታት ሕማምካን ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወትካ ዜሕድሮ ጽልዋን ኪሓትተካ እዩ። ጠንቂ ምልክታት ሕማምካ ንምፍላጥን ካልእ ኵነታት ንምውጋድን እተወሰነ መርመራታት ኪግበር ሓሳብ ይህቡኻ ይኸውን።
ነዊሕ ግዘ COVID ንምሕካም ሓንቲ ዓይነት ሕክምና ወይ መድሓኒት የለን። ሓኪምካ ብዛዕባ እቲ ዜድልየካ ኽንክንን ደገፍን ኬዘራርበካ እዩ። ብዛዕባ እዚ ምኽሪ ኺህቡኻ ይኽእሉ ብዛዕባ፦
- ኣብ ገዛካ ንዚርአ ሕማም ምልክታት ክትከታተሎን ክትቈጻጸሮን ከለኻ ንኣብነት መዝገበ ዕለት ሕማም ምልክት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ
- ሕክምናዊ ኽንክን ዜድልዮ ሕማም ምልክታት (ከም ሓድሽ ወይ እናገደደ ዚኸይድ ምልክታት) ከምኡ’ውን ነዚ ምልክታት እዚ እንተ ኣጋጢሙካ ኣበይ ክትከናኸን ከም ዘሎካ
- ድሕሪ እቲ COVID-19 ብምኽታል ኣብ ሰሙናትን ኣዋርሕን እንታይ ክትጽበ ኸምዘለካ
- ከም ኣመጋግባ፤ ኣካላዊ ምውስዋስን ምኽርን ዝኣመሰለ ኣብ ኣነባብራና ጣልቃ ንምእታው ዚሕግዝ ነገራት።
እቲ ሕማም ምልክታት ኣብ ህይወትካ ዓብዪ ጽልዋ ዜሕድር እንተኾይኑ ነቲ ምልክታት ንኽትቈጻጸሮን ንኽትሓዊ ኺሕግዘካ ናብ ዚኽእል ፍሉይ ሞያተኛ ወይ ናይ እንደገና መጣየሲ መገገሚ ኣገልግሎት ክትልኣኽ ትኽእል ኢኻ።
ካብ ነዊሕ ግዘ COVID ምሕዋይ
ናይ ምሕዋይ ግዜ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ይፈላለ ኢዩ እቲ ዝስምዓካ ምልክታት ድማ ምስ ግዜ ይፈላለ ኢዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ውሽጢ 3 ኽሳዕ 4 ወርሒ ኺሓውዩ እዮም። ይኹን እምበር ንገሊኦም ሰባት እቲ ሕማም ምልክታት ንነዊሕ እዋን ክቕጽል ይኽእል ኢዩ።
ንርእስኻ ኻብ ነዊሕ ግዘ COVID ምክልኻል
ነዊሕ ግዘ COVID ክትከላኸለሉ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ ንገዛእ ርእስኻ ሕማም ከይሕዘካ ክትከላኸለላ ኣሎካ።
ምስቲ COVID-19 ክታበት ምውሳድ እዋናዊ ኾይንካ ምጽናሕ ብሰንኪ COVID-19 ዝፍጠር ከቢድ ሕማም ክትከላኸለሉ ትኽእል መንገዲ እዩ። እቶም በዚ ሕማም እዚ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት ምስቶም ክታበት ዘይወሰዱ ሰባት ክነጻጸር እንከሎ ብናይ ነዊሕ ግዘ COVID ዝተተሓዙ ጸብጻብ የለን።
መንግስቲ ዚህቦ ምላሽ
በእለት 1 መስከረም/September 2022 ዓ.ም ካብ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕናን ብዕድመ ዝደፍኡ ኽንክን ዝኾኑ Hon Mark Butler MP ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ቀዋሚ ሃውስ ኮሚተ፤ ጥዕናን ኣረጋውያንን ስፖርትን ብዛዕባ ነዊሕ ግዘ COVID ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ብተደጋጋሚ ዚርአ ሕማም COVID-19 ሕቶ ጸብጻብ ድማ ቐሪቡ።
ነቲ ግዜያዊ ጸብጻብ ኣንብቦ።
ንዝበለጸ መረዳእታ
- ንነዊሕ ግዘ COVID ሓዝ ምርካብ
- ድሕሪ COVID-19 ንዚርአ ግማም ምልክታት ከምኡውን ነቲ ነዊሕ ግዘ COVID ስለምርዳእ
- ሮያል ኮሌጅ ኦፍ ጀነራል ሞያተኛ/ፕራክተርስ ኣውስትራልያ ናይ ሕሙማት መገልገሊ ምንጪ - ድሕሪ COVID-19 ሕማም ምልክታት ምምሕዳር
- ሃገራዊ ክሊኒካል መርትዖ ታስክፎርስ COVID-19 ኣብ ኣውስትራልያ ነቶም COVID-19 ዘለዎም ሰባት ንዝግበረሎም ክሊኒካዊ ኽንክን መምርሒታት ይህብ።