ንርእስኻን ንኻልኦትን ካብ COVID-19 ምክልኻል

ንስኻን እቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባትን ብደሓን ምእንቲ ኽትነብር ክትወስዶ እትኽእል ስጕምትታት ኣሎ።

ክታበት ምውሳድ

እቲ COVID-19 ክታበት ብሰንኪ COVID-19 ዝመጽእ ካብ ከቢድ ሕማም ምክልኻል ዓቕሚ ይውስኸልካ እዩ። ምኽሪ ናይቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ናይ ተክኒክ ኣማኻሪ ጕጅለ (ATAGI) ብምስዓብ መን ክታበት ክወስድ ከምዘለዎ ሓሳብ ይህብ

ምስቲ ክትከላኸለሉ እትኽእል ክታበት ምውሳድ እዋናዊ ምዃንካ እቲ ዝበለጸ ምክልኻል ዓቕሚ ይዀነካ።

ክታበት ንምውሳድ ቆፀሮ ምድላው

ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስኬራ ምግባር

ማይ ገጽ ማስኬራ ምግባር ንዓኻን ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉን ንምክልኻል ይኽእል እዩ።

ናይ ገጽ ማስኬራ ንቫይረሳት ኣብ ኣየር ንኸይዝርጋሕ ይዓግቶ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ቫይረስ ናይ ምሓዝ ወይ ናይ ምዝርጋሕ ኣጋጣሚ ይንኪ ይቕንሶ እዩ።

ምምሕዳር ክልልን ተሪቶርይ መንግስትታትን መዓስ ማስኬራ ኽትገብር ከምዘሎካ እተፈላለየ ደንቢ ሕግታት ኣለወን። እዋናዊ ምኽሪ እንተደሊኻ ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ወብ ሳይት ሓለዋ ጥዕና መምርሒ ምርአይ።

ከምዚ ዝስዕብ ኽትገብር እንከሎ ማስኬራ ገጽ ምግባር ጽቡቕ ሓሳብ እዩ፡

  • ህዝባዊ መጓዓዝያ፤ ክሊኒካትን ሆስፒታላትን ሓዊስካ ኣብ ግዳም ኣብ ዚርከብ ህዝባዊ ቦታታት
  • ካብ ካልኦት ብኣካላዊ መዳይ ክትርሕቕ ዘይትኽእለሉ እዋን
  • ብመርመራ ኣወንታዊ ቫይረስ እንተሃልዩካ ወይኻዓ COVID-19 ዘሎካ ዀይኑ እንተሰሚዑካ እሞ ምስ ካልኦት ሰባት እንተሃሊኻ።

ናይ ገጽ ማስኬራ ብግቡእ ክትጥቀም እንተ ደሊኻ ከምዚ ዝስዕብ ክትገብር ኣሎካ፤

  • ቅድሚ ማስኬራ ምግባር ወይ ቅድሚ ምውጻእካ ኣእዳውካ ምሕጻብ ጽሬት ምህላው
  • ኣፍንጫኻን ኣፍካን ከም ዚሽፍን ኣብ ትሕቲ መንከስካ ድማ ከም ዚገጣጠም ግበር
  • ነቲ ማስኬራ ክትገብር እንከሎ ወይ ከተልግሶ ኸለኻ ኣብ ቅድሚት ኣይትተንክፎ
  • ኣብ ቦታኡ ጌርካ ሓዞ - ኣብ ክሳድካ ወይ ኣብ ትሕቲ ኣፍንጫኻ ኣይተንጥልጥሎ
  • ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ሓድሽ ናይ ሓደ ኣጠቓቕማ ማስኬራ ተጠቐም
  • ኣብ ጽሩይ ንቑጽ ቦታ ድሕሪ ምጥቃምካ እንደገና ኽትጥቀመሉ እትኽእል ማስኬራ ምሕጻብን ምንቃጽን እዩ።
Date last updated:

Help us improve health.gov.au

If you would like a response please use the enquiries form instead.