ንርእስኻን ንኻልኦትን ካብ COVID-19 ምክልኻል

ንስኻን እቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባትን ብደሓን ምእንቲ ኽትነብር ክትወስዶ እትኽእል ስጕምትታት ኣሎ።

ክታበት ምውሳድ

እቲ COVID-19 ክታበት ብሰንኪ COVID-19 ዝመጽእ ካብ ከቢድ ሕማም ምክልኻል ዓቕሚ ይውስኸልካ እዩ። ምኽሪ ናይቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ናይ ተክኒክ ኣማኻሪ ጕጅለ (ATAGI) ብምስዓብ መን ክታበት ክወስድ ከምዘለዎ ሓሳብ ይህብ

ምስቲ ክትከላኸለሉ እትኽእል ክታበት ምውሳድ እዋናዊ ምዃንካ እቲ ዝበለጸ ምክልኻል ዓቕሚ ይዀነካ።

ክታበት ንምውሳድ ቆፀሮ ምድላው

ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስኬራ ምግባር

ማይ ገጽ ማስኬራ ምግባር ንዓኻን ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉን ንምክልኻል ይኽእል እዩ።

ናይ ገጽ ማስኬራ ንቫይረሳት ኣብ ኣየር ንኸይዝርጋሕ ይዓግቶ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ቫይረስ ናይ ምሓዝ ወይ ናይ ምዝርጋሕ ኣጋጣሚ ይንኪ ይቕንሶ እዩ።

ምምሕዳር ክልልን ተሪቶርይ መንግስትታትን መዓስ ማስኬራ ኽትገብር ከምዘሎካ እተፈላለየ ደንቢ ሕግታት ኣለወን። እዋናዊ ምኽሪ እንተደሊኻ ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ወብ ሳይት ሓለዋ ጥዕና መምርሒ ምርአይ።

ከምዚ ዝስዕብ ኽትገብር እንከሎ ማስኬራ ገጽ ምግባር ጽቡቕ ሓሳብ እዩ፡

  • ህዝባዊ መጓዓዝያ፤ ክሊኒካትን ሆስፒታላትን ሓዊስካ ኣብ ግዳም ኣብ ዚርከብ ህዝባዊ ቦታታት
  • ካብ ካልኦት ብኣካላዊ መዳይ ክትርሕቕ ዘይትኽእለሉ እዋን
  • ብመርመራ ኣወንታዊ ቫይረስ እንተሃልዩካ ወይኻዓ COVID-19 ዘሎካ ዀይኑ እንተሰሚዑካ እሞ ምስ ካልኦት ሰባት እንተሃሊኻ።

ናይ ገጽ ማስኬራ ብግቡእ ክትጥቀም እንተ ደሊኻ ከምዚ ዝስዕብ ክትገብር ኣሎካ፤

  • ቅድሚ ማስኬራ ምግባር ወይ ቅድሚ ምውጻእካ ኣእዳውካ ምሕጻብ ጽሬት ምህላው
  • ኣፍንጫኻን ኣፍካን ከም ዚሽፍን ኣብ ትሕቲ መንከስካ ድማ ከም ዚገጣጠም ግበር
  • ነቲ ማስኬራ ክትገብር እንከሎ ወይ ከተልግሶ ኸለኻ ኣብ ቅድሚት ኣይትተንክፎ
  • ኣብ ቦታኡ ጌርካ ሓዞ - ኣብ ክሳድካ ወይ ኣብ ትሕቲ ኣፍንጫኻ ኣይተንጥልጥሎ
  • ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ሓድሽ ናይ ሓደ ኣጠቓቕማ ማስኬራ ተጠቐም
  • ኣብ ጽሩይ ንቑጽ ቦታ ድሕሪ ምጥቃምካ እንደገና ኽትጥቀመሉ እትኽእል ማስኬራ ምሕጻብን ምንቃጽን እዩ።
0:37

Masks help stop the spread of viruses and reduce our risk of getting sick. 

There are many good reasons for wearing them. 

We wear masks to protect ourselves or to help protect more vulnerable people.

We may be required to wear a mask when using public transport, or catching a plane, or when visiting a medical or high risk facility.

If you see someone wearing a mask respect their choice. And keep a mask handy, so you can use it when needed. 

ኣካላዊ ርሕቐት ይሃሉኻ

ኣባኻን ኣብ መንጎ ኻልኦትን ዝበለጸ ርሕቐቲ ቦታ ኣብ ዚህልወሉ እዋን እቲ ቫይረስ ብቐሊሉ ክሰራጨው ኣይክእልን እዩ።

ኣካላዊ ምርሓቕ ክብሃል እንከሎ እዚ ዝስዕብ ማለት ኢዩ፤

  • ብእተኻእለ መጠን 1.5 ሜተሮ ካብ ካልኦት ምርሓቕ
  • ከም ኢድካ ምትንኻፍን ምሕቋፍን ምስዓምን ዝኣመሰለ ኣካላዊ ሰላምታ ምርሓቕ
  • ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ተወሳኺ ኽንክን ምግባር
  • ካብ ብዙሓት ሰባትን ካብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ምርሓቕ
  • ምልምማድ ጽቡቕ ጽሬት
  • ብኾነ ጕንፋዕ ቍሪ ወይ ኢንፍሉወንዛ እንተሃልዩካ ክትምርመር ከምዘለካ ኣብ ገዛካ ኽትጸንሕን ትኽእል ኢኻ።

ካብ ሓደገኛ ዅነታት አሎ ርሓቕ

ብፍላይ ቅልጡፍ ሕክምና እንተዘይደሊኻ ናብ ሓደገኛ ዅነታት ከይትኣቱ ኽትጥንቀቕ ዘለካ፤ ንስኻ፤

  • ንCOVID-19 እተቓልዐ እንተኾይኑ

  • ዝኾነ ይኹን ሕማም ምልክታት COVID-19 ወይ ኢንፍሉወንዛ እንተተሰሚኡኻ

  • ብመርመራ ውጽኢት ንCOVID-19 ኣወንታዊ ቫይረስ እንተሃልዩካ እዩ።

ሓደገኛ ዅነታት ነዚ ዚስዕብ የጠቓልል፦

  • ኣረጋውያንን ስንኩላንን ኽንክን ዝውሃበሉ ኣገልግሎታት
  • ኣብ ገዛ ዚግበር ሓልየትን ክንክን ኣካል ስንክልናን
  • ኣስበዳለታትን ካልእ ዝተዳለወ ሓለዋ ጥዕናን።

ብዙሓት ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ዚነብሩ ሰባት ብሰንኪ COVID-19 ከቢድ ሕማም ኪሓምሙ ይኽእሉ እዮም። በዞም ኣቐማምጣ ቦታታት እዚ ኽትበጽሖ ኸለኻ ተወሳኺ ጥንቃቐ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ሓደገኛ ኣቐማምጣ ዅነታት ጥራይ ኢኻ ኽትኣቱ ዘሎካ፦

  • ብመርመራ ውጽኢት ድሕሪ ኣወንታዊ ቫይረስ እንተ ወሓደ 7 መዓልቲ ክሓልፍ ኣለዎ
  • ሕማም ምልክት ናይ COVID-19 የብልካን።

ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ክትኣቱ እንከሎ ንርእስኻን ንኻልኦትን በቲ COVID-19 ቫይረስ ሓደጋ ክትኸላከለሎም ትኽእል ኢኻ፦

  • ማስኬራ ምግባር

  • እዋናዊ ዝዀነ ክታበት ምውሳድ

  • ጽቡቕ ብሕታዊ ጽሬት ሃይጂን ምግባር።

ጽቡቕ ጽሬት ሓይጅንኻ ምሕላው

ጽሬትካ ብምሕላው ንርእስኻን ንኻልኦትን ካብቲ ብሰንኪ COVID-19 ዜስዕብ ቫይረስ ክትከላኸለሎም ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ዚስዕብ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፦

  • መብዛሕትኡ ግዜ ኣእዳውካ ብሳሙናን ብማይን ን20 ሰኪኦንዲ ምሕጻብ
  • ሳሙናን ማይን ክትጥቀም ኣብ ዘይትኽእለሉ እዋን ኣልኮላዊ መጽረይ እተመስረተ ናይ ኢድ መጽረጊ ተጠቐም
  • ኣዒንትኻን ኣፍንጫኻን ኣፍካን ዘይምትንካፍ
  • ኣብ ግዳም ዚርከብ ቦታ ብግቡእ ኣየር ዝንቐሳቐሰሉ ከምዝኾነ ምርግጋፅ
  • ከም ኮፍ መበሊ ሰደቓታት ከምኡውን መዓጹ በሪ ዝንዃዃሓሉ ዝኣመሰለ መብዛሕትኡ ግዜ እትጥቀመሉ ነገራት ምጽራይን ብጸረ-ባልእ ምጽራግ
  • ከም ሞባይል ተሌፎንን መፍትሕን ቦርሳን ናይ ስራሕ ፓስፖርትን ዝኣመሰለ መብዛሕትኡ ግዜ እትጥቀመሉ ነገራት ክተጽርዮን ብጸረ-ባልእ ምጽራግ ትኽእል ኢኻ።
Date last updated:

Help us improve health.gov.au

If you would like a response please use the enquiries form instead.