ካብ COVID-19 ከቢድ ሕማም ወይ ሞት እቲ ዝበለጸ ዕቝባ ምእንቲ ኽትረክብ ንዕድመኻ ወይ ንውልቃዊ ጥዕናኻ ዜድሊ ዅሉ ዓይነት ዝተፈቐደ ናይ ክታበት ዓቐን ክትረኽብ ኣሎካ። ነዚ መኸላኸሊ እዚ ንምዕቃብ ሓጋዚ ተወሳኺ ክታበታት ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ።
ናይ ሓጋዚ መጠን/doses ክታበታት ንኹሉ ሰብ ብዘይ ክፍሊት ብናጻ ይውሃብ።
ብዛዕባ ሓጋዚ መጠን/doses ክታበታት መረዳእታ ብናትኻ ቋንቋ ይርኸብ።
ሓጋዚ መጠን/doses ክታበት
ኵሎም ጐርዞታት ዓበይቲ ኻብቲ ናይ መወዳእታ COVID-19 ሓጋዚ ክታበት ወሲድኻ 6 ኣዋርሒ ወይኻዓ ካብዚ ንላዕሊ እንተኾይኑ ወይ ዝተረጋገጸ ረኽሲ ኢንፌክሽን እንተሃልዩ (ኣብ ቀረባ እዋን እተረጋገጸ) ካብ ከቢድ ሕማም COVID ተወሳኺ መከላኸሊ ክታበት ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም።
ብፍላይ ነቶም ከቢድ ሕማም ኬጋጥሞም ዚኽእል ሰባት ይሕበር እዩ። ከምዚ ዚስዕብ ዘኻተተ፦
- ኵሉ ሰብ ዕድሚኡ 65 ዓመትን ልዕሊኡን
- ዕድሚኡ 18 ዓመትን ካብዚ ንላዕሊ ንዝኾኖ እሞ ናይ ጥዕና ፀገም ዘለዎ፤ ኣካል ጕድዓተኛ ወይኻዓ እተሓላለኸ ናይ ጥዕና ድሌት ንዘለዎም ሰባት ኹሉ።
ካብ 5 ኽሳዕ 17 ዝዕድሚኦም ከቢድ ሕማም ከም ዝሓምሙ ዝገብሮም ኵነታት ጥዕና ዘለዎም ቈልዑን መንእሰያት እውን ናይ ሓጋዚ ክታበት ምውሳድ ከምዝኽእሉ፤ እዚ’ውን ምስ ናቶም ሕማም መከላኸሊ ክታበት መዳለዊ ብውልቓዊ ደረጃ ዝተገብረ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ናይ ሓደጋ ገምጋም መሰረት ጌርካ ናይ መወዳእታ ሕማም መከላኸሊ ክታበት ወይኻዓ COVID-19 ረኽሲ ኢንፌክሽን ኣብዝሓልፍ 6 ኣዋርሒ እንተመሊኡ ንናይ ሓጋዚ ተወሳኺ ክታበት ክረኽቡ ይኽ እሉ።
ኣብዚ እዋን እዚ ዕድሚኦም 18 ዓመት ወይ ትሕቲ 18 ዓመት ንዝኾኑ ቈልዑን መንእሰይ ዕድመ ንዘለው እሞ ንከቢድ ሕማም COVID-19 ኣብ ሓደጋ ንናይ ሓጋዚ ዓቐን ክታበት ንክወስዱ ኣይሕሰብን ኢዩ።
ኵሎም ክታበታት ኣብ ኣውስትራሊያ ንክትጥቐመሉ ዝተፈቐደሎም ስለዝኾነ ካብ COVID-19 ከቢድ ሕማም ብጣዕሚ ጥንክር ዝበለ ምክልኻል ንምግባሮም ቐጻላይ ይኸውን፤ ይኹን እምበር Omicron-specific bivalent ክታበታት ንሓጋዚ ተወሳኺ ክታበት ንክኾኑ ይምረጽ እዩ።
ንናትካ መወዳእታ COVID-19 ክታበት ዝረኸብካያ ዕለት ኣብ COVID-19 ዲጂታልl ምስክር ወረቐቲ ውሽጢ ኣሎ።
ንሓጋዚ ዓቐን/doses ክታበት ብኸመይ ቆፀሮ ከምዝዳለው
ንሓጋዚ ዓቐን/dose ክታበት ወይኻዓ ንናይ ክረምቲ ተወሳኺ ሓጋዚ ዓቐን/dose ክታበት ቆፀሮ ንምድላው ንCOVID-19 ክሊኒክ መድለይ ወይ 'ሄይ ኢቫ' – Easy Vaccine Access ምጥቓም እዩ።
ኢቫ/ EVA ሰባት ንCOVID-19 ክታበት ቆፀሮ ንምድላው ዝሕግዝ ቐሊል ናይ መሊስኻ ስልኪ ኣገልግሎት እዩ።
ንCOVID-19 ክታበት ቆፀሮ ንምድላው ሓገዝ እንተድልዩ ኤስኤምኤስ/SMS 'ሄይ ኢቫ'/Hey EVA’ ጌርካ ናብ 0481 611 382 ምስዳድ።. ካብ ሃገራዊ ኮሮናቫይረስ ሓገዝ መስመር ብዝሰልጠነ ናይ ስልኪ ግልጋሎት ተወካሊን ናይ COVID-19 ክታበትኻ ቆፀሮ ንክተዳልው ይሕግዘኻ እዩ።
ብዕድመ ሽማግለ ሰባት ንምክንኻን ኣብ መንበሪ ገዛ ናይ ሓጋዚ ክታበት ፕሮግራም
ብዕድመ ሽማግለ ሰባት መንበሪ ትካላት መገልገሊታት ውሽጢ ናይ ሓጋዚ ክታበት ፕሮግራም ይኻየድ ከምዘሎ እዩ። ኣብ መንበሪ ኣረጋውያን ክንክን ብዛዕባ COVID-19 ሓጋዚ ዓቐን/dose ክታበት መውሃቢ ፕሮግራም ብዝበለጸ ምንባብ እዩ።
ኣካለ ጕድዓተኛ ንዝኾኑ ሰባት ናይ ሓጋዚ ተወሳኺ ክታበት ፕሮግራም
ስንኩላን ኣብ ሓባራዊ መንበሪገዛ ንዚነብሩ ሰባት ናይ ናይ ሓጋዚ ተወሳኺ ክታበት ፕሮግራም ይዳሎ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ COVID-19 ናይ ሓጋዚ ተወሳኺ ዓቐን/dose ክታበት ፕሮግራም ኣብ ሓባራዊ መንበሪ ንዚነብሩ ስንኩላን ዝያዳ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።
ድሕንነቱ ዝተሃለዎ ናይ COVID-19 ሓጋዚ ተወሳኺ ዓቐን/dose ክታበታት
ድሕሪ ናይ ሓጋዚ ተወሳኺ ዓቐን/dose ክታበት ምውስድ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ልሙድን ፍዅስ ዝበለ ጸገማት ምስ ድሕሪ መጀመርታ 2 ዓቐን/dose ክታበታት ዝፍጠሩ ጸገማት ይመሳሰሉ እዮም።
ብዛዕባ COVID-19 ክታበት ድሕንነትን ክፍጠሩ ንዝኽእሉ ጸገማት ንዘሎ መረዳእታ ምርኣይ።