COVID-19 ከምኡ’ውን ጕዕዞ

ብዛዕባ እቲ ንጕዕዞ ዜድሊ ብቕዓታትን ብደሓን ንኽትቅጽል ክትወስዶ እትኽእል ስጕምትን ምፍላጥ።

ኣብ ውሽጢ ኣውስትራልያ ዚግበር ጕዕዞ

ብዛዕባ ጕዕዞ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብ ወብ ሳይታት ሓለዋ ጥዕና መምርሒ እቲ ኸባቢ ምርኣይ፡

ኣብ ወጻኢ ሃገር ዚግበር ጕዕዞ

COVID-19 ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ንጥዕና ሓደገኛ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ክንጐዓዝ ከለና ኣፍን ኣፍንጫ መሸፈኒ ማስኬራ ኽንገብርን ክትከላኸለሎምን ብጽኑዕ ሓሳብ ንሕብር ኢና። ብጽቡቕ ምሰዓል፤ ኢድ ጽሬትን ክትገብር ብዝተኻእለካ መጠን ከኣ ካብ ካልኦት ሰባት ብኣካላዊ መዳይ ክትርሕቕ ኣሎካ።

ገሊአን ሃገራት፤ ኣየር መንገዲን መራኸቢ ብዙሓንን ንጕዕዞ ተጠቀምቲ ዜድሊ COVID-19 ኪህልወን ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ናብ በረራ ወይ ናብ መርከብካ ቕድሚ ምእታውካን ቅድሚ ምኻድካ መርመራ ምግባር ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኽልቲኡ ናብኡ ንምእታው ዜድሊ ብቕዓታት ምርኣይ፦

  • እትጐዓዙላ ወይ እትሓልፉላ ሃገር

  • ኦፐሬተር ኣየር ወይ መርከብ ኬማልኦ ዘለዎ ብቕዓታት፡

መገልገሊታት

ኣውስትራልያውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ እንከሎ

ዶባት ኣውስትራልያ ኽፉት እዩ Australian Government ድማ ነዚ ዝስዕብ ብቕዓታት ከምዘየማልእ እዩ፡

  • ናብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ብመርመራ ኣሉታዊ COVID-19 ቫይረስ ከምተረኸበ ማስረጃ ምሃብ
  • ንCOVID-19 ሕማም መከላከሊ ክታበት
  • እዚ ዜተባብዕ እኳ እንተ ዀነ ማስኬራ ምግባር።

መድሕን ጕዕዞ

ኣብ ወጻኢ ሃገር ብCOVID-19 እንተ ሓሚምካ ውሕስና መድሕን ጕዕዞ ኣገዳሲ እዩ። ዘለኻ ውሕስና መድሕን ኸምዚ ዝስዕብ ከም ዘጠቓልል ምርግጋጽ፡

  • መሰጋገሪ መገሻታት
  • ን COVID-19 ዘጠቓለለ
  • ከም ናይ ጕዕዞ መድሕን ዝኣመሰለ ተወሳኺ ነገራት እውን ኣሎ።

ኣብ ገሊኡ ትበጽሓሉ ቦታታት ተጓዓዝቲ ናብኡ ምእንቲ ኺኣትዉ መድሕን መጓዓዝያ ኺሕዙ የድልዮም እዩ።

ብመርከብ ጕዕዞ

ንመርከብካን ትዓርፈሉን ዚኸውን እዋናዊ ጕዕዞ እንተሃልዩ ካባኻ መርከብ መዳለዊ ምፍላጥ።

ሕማም መከላከሊ ክታበት

ብናይ Australian Government ንተጓዓዝቲ ኣብ መርከብ ጕዕዞ ክታበት ምሃብ ኣየድሊን። ይኹን እምበር ከምዚ ዝስዕብ ንሕብሮ-

  • ክታበት እንተዘይወሲድካ እሞ ክትከላኸለሉ ንዘይክኢልካዮ ከቢድ ሕማምን ነዊሕ ግዘ COVID-19ን ኬስዕበልካ ስለዝኽእል COVID-19 ክታበት ክትወስድ ትኽእል
  • ክታበት እንተዘይወሲድካ ነዚ ብመርከብ ጕዕዞ እትገብሮ ጕዕዞ እንደገና ሕሰበሉ።

ኣብ ጕዕዞ መርከብ ዝተፈጠረ ለበዳ

መርከብ ምስ ካልእ ዓይነት ጕዕዞ ኺነጻጸራ እንከሎ ሕማም ናይ ምስርጫው ኣጋጣሚ ላዕላዋይ እዩ። COVID-19፤ ኢንፍሉወንዛ ከምኡውን ካልእ ተመሓላላፊ ሕማማት ኣብመንጎ እቶም ኣብ ጥቓና ዚነብሩን ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ዝገብሩ ሰባት ብቐሊሉ እዩ ዝሰራጨው።

ኣብ ጕዕዞኻ COVID-19 እንተሂዙካ ከምዚ ዝስዕብ ክትገብር የድልየካ ይኸውን፡

  • ኣብታ መርከብ ንበይንካ ምውሻብ
  • ካብቲ ቦታ ወሪድካ ነቲ ዘለኻዮ ምምሕዳር ክልል ወይ ተሪቶርይ ወይ ሃገር ንዘሎ ሕግታት ምክትታል።

ቅድሚ ምኻድካ ነቲ ብዛዕባ ጕዕዞታት ዚገልጽ Smartraveller ምኽሪ ምርአይ። ብዛዕባ እቲ ንድሕንነት ዚምልከት መምርሒታት COVID-19 ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ምስ ወኪል ጕዕዞኻ ወይ ምስ ኦፐሬተር ጕዕዞኻ ተራኸብ።

ምምሕዳር ክልልን ተሪቶርይ መንግስታት ነቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዚግበር መርከብ ጕዕዞ ዚድግፍ ናይ ጥዕና መምርሒታት የማዕብላን የመሓይሾን እዩ።

ናይ ጕዕዞ ኢንዱስትሪ መምርሒታት ነቲ ኣብ መርከብ ጕዕዞ ናይ ቫይረስ ምምሕልላፍ ኣጋጣሚ እውን ይንክዮ ኢዩ ገለ ኻብዚ ኸኣ እዚ ዝስዕብ ኢዩ፡

  • ተጓዓዝቲ ዘድልዮም ክታበት ምውሳድ
  • መደባት ምምሕዳር ለበዳ
  • መደባት ድሕንነት COVID-19።

ኣህጉራውያን ተጓዓዝቲ ናብ ኣውስትራልያ

ዶባት ኣውስትራልያ ኽፉት እዩ፤ ብናይ Australian Government ድማ ነዚ ዝስዕብ ብቕዓታት ኣየማልእን ኢዩ፡

  • ናብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ብመርመራ ኣሉታዊ COVID-19 እንተሃልዩካ ንዝተገበረሉ ማስረጃ/መርትዖ ምሃብ
  • COVID-19 ክታበት ንምውሳድ መርትዖ
  • እዚ ዜተባብዕ እኳ እንተ ዀነ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስኬራ ምግባር እዩ።

ብዛዕባ ኣውስትራልያ ምእታውን ምውጻእን ንምፍላጥ ዝያዳ ምምሃር።

Date last updated:

Help us improve health.gov.au

If you would like a response please use the enquiries form instead.