COVID-19 ሕማም ብናይ SARS-CoV-2 ኮሮናቫይስ ዝብሃል ቫይረስ ዘምጽኦ ሕማም ኢዩ።
COVID-19 ቫይረስ ብቐጻሊነት ይለዋእጥ ከምዘሎ እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ነቲ እተፈላለየ ዓይነት ሻቕሎትን ተገዳስነትን ናይ ምስዓብ ሓላፍነት ኣለዎ።
ብዛዕባ ኣብ ኣውስትራልያ ዜተሓሳስቦም ነገራት ብዝያዳ ምምሃር።
እዋናዊ ዅነታት
ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ብዕለት 11 መጋቢት/March 2020 ዓ.ም ኖቨል ኮሮናቫይስ (COVID-19) ዓለምለኻዊ ለበዳ ምዃኑ ኣወጀ።
እቲ ናይ COVID-19 ለበዳ ኣዋጅ ክሳዕ ሕጂ ይሰርሐዩ።
ብዛዕባ ለበዳ ከምኡውን ብኸመይ ከም እንቈጻጸሮ ብዝያዳ ምምሃር።
ሕማም ምልክታት
COVID-19 ብሰንኪ እቲ SARS-CoV-2 ዚብሃል ቫይረስ ዚመጽእ ሕማም እዩ።
ሕማም ምልክታት ናይ COVID-19 ካብ ፈኲስ ክሳዕ ከቢድ ሕማም ክበጽሕ ይኽእል ኢዩ።
ገሊኦም ሰባት ብቐሊሉ ኺሓውዩ ኸለዉ ገሊኦም ግና ብጣዕሚ ይሓሙ እዮም። ብመርመራ ኣወንታዊ COVID-19 ቫይረስ እንተሃልዩካ ከምዚ ዝስዕብ ክትረክብ ትኽእል፡
- ረስኒ
- ምስዓል
- ሕማም ጉሮሮ
- ናይ ትንፋስ ሕጽረት።
ዝያዳ ሓበሬታ እንተደሊኻ ብዛዕባ ሕማም ምልክታት COVID-19 ፈሊኻ ክትፈልጥ እንተደሊኻ ኣብናትና ሓቓዊ ጽሑፍ ወረቐት ምርኣይ።
ገሊኦም ሰባት ዝዀነ ይኹን ምልክት ሕማም እኳ እንተ ዘይብሎም በቲ ቫይረስ ኪሓልፉ ይኽእሉ እዮም ።
ንነዊሕ ግዘ ጽልዋ
መብዛሕትኦም ብመርመራ ኣወንታዊ COVID-19 ዝተረኽቦም ሰባት ምሉእ ብምሉእ ኪሓውዩ ዚኽእሉ እኳ እንተዀኑ ገሊኦም ሰባት ግና ንነዊሕ ግዘ COVID ኬማዕብሉ ይኽእሉ እዮም።
ሕማም ምልክታት ንነዊሕ ግዘ ዘሎ COVID ካብ COVID-19 እተፈልየ ኢዩ። ኧገም ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ፡
- ከቢድ ናይ ድኻም መንፈሲ (ድኻም)
- ሓጺር እስትንፋስ፤ ምንፍርፋር ልቢ፤ ቃንዛ ኣፍ ልቢ ወይ ምጭንናቕ ምጥባቕ
- ናይ ምዝካርን ናይ ጠመት ምትኳርን ጸገም
- ንምጥዓምን ንምሽታንን ስሚኢት ለውጥታት
- ሕማም ኣጽሚ መላግቦን ጭዋዳታትን።
ሓድሓደ ግዜ እዚ ምልክታት እዚ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ክቕጽል ይኽእል ኢዩ ።
ብዛዕባ ነዊሕ ግዘ COVID ብዝያዳ ምምሃር።