ኮቪድ/COVID-19 ክታበታት ድሕንነቶ ዝተሃለወ እዩ
ሕክምና ብጽቡቕ እማሓድራ/Therapeutic Goods Administration (TGA) ንሓደ ክታበት ድሕንነት ብጥንቓቐ ገምጊሙ ዘጻርይ ናይ ክታበት ፍቓድ ኣሰራራ ከይዲ ኣለዎ።
TGA ንናይ COVID-19 ክታእት ድሕንነት ዝኸታተሎ፡
- ክፍጠር ንዝኽእል ጸገማት ጭቡጥ መረዳእታ ብምእኻብን ሪፖርት ብምግባር
- እቲ ሓቂ ንምኽፋል ምስ ዓለምለኸ ተቆጻጸርቲ ሓባር ብምስራሕ
- ነቲ ድሕንነት ብምክትታል
- ኣብ ሕድሕድ ጕጀለ ዝግበር ፈትሽካ ብምጽራይን ንናይቲ ጽሬት ደረጃ ንክማላእ ብምግባር እዩ።
ኣብ እዋን ጥንሲ ድሕንነት
ናይ ኣውስትራሊያ ቴክኒክ ኣማኻሪ ጕጅለ ብዛዕባ ሕማም መከላኸሊ ክታበት (ATAGI) ኣብ እዋን ጥንሲ ብዛዕባ COVID-19 ክታበታት ምጥቓም በዚ ዝስዕብ ምኽሪ ከምዝሃበ፡
- ጥንስቲ እንተዄንካ ኣብ ዝዀነ ይኹን ደረጃ ጥንሲ ነቲ Pfizer ክታበት ብምውሳድ ምክልኻል ትኽእል ኢኻ።
- ንምጥናስ እንዳፈተኺ እንተኾይኑ ክታበት ምውሳድ ግዘ ክትድንጉይ የብልኽን ወይኻዓ ድሕሪ ክታእት ምውሳድኺ ካብ ምጥናስ ክትዕቐቢ እብልኽን።
- ጥስቲን ጡብ ተጡባ እንተኾንኺ ናይ Pfizer ክታበት ምውሳድ ድሕነቱ ዘተ ኣማምን ከምዝኾነ ሓቓዊ ናይ ዓለምለኸ ማስረጃታት የርእዩ እዮም።
- ናይ Pfizer ክታበት ክትረኽባ እንተዘይኺልኽን ንናይ Novavax ክታበት ን ኣኽን ትኽኽለኛ ክታበት ከምዝኾነ ንሓኺምኽን ክተዘራርባ ትኽእላ።
- ጥንስቲ እንተኾይንኪ እሞ ክታበት እንተዘይወሲድኽን ብሰንኪ COVID-19 ብኸቢድ ሕማም ናይ ምትሓዝ እድል ልዕል ዝበለ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ነቲ ዝተጠነሰ ማማይ ብዘይ ማዓልቱ (ቅድሚ 37 ሰሙናት ጥንሲ) ናይ ምውላድ እድል ልዕል ዝበለ ክኸውን ይኽእል እዩ።
- COVID-19 ክታበት ብምውሳድ ኣብ እዋን ጥንሲ ነቲ ማማይ ናብ መድሕንቲ/ፕላሰንታ (ኣብ እዋን ጥንሲ) ወይ ብጸባ ጡብ (ኣብ እዋን ጡብ) ብምምሕልላፍ ዕቝባ መከላኸሊ ክዀኖም ይኽእል ኢዩ።
ብዛዕባ ጥንሲ፤ ናይ ኣዶ ጻባ ምጥባብን COVID-19 ክታበታት ብዝበለጸ መረዳእታ ምፍታሽ።
ብሰንኪ ክታበት ክፍጠሩ ዝኽ እሉ ጸገማት
ናይ TGA ሪፖርቲ ከምዝብሎ መብዛሕትኡ ክፍጠር ዝኽእል ጸገማት ማእኸላይ ከምዝኾነን ብክልተ ማዓልታት ውሽጢ ይጠፍእ።
AusVaxSafety ሰባት ድሕሪ COVID-19 ክታበታት ዝፍጠር ጸገማት የጋጥም ወይኻዓ ኣየጋጥሞምን ስለዝብል ይኸታተል እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለው ጭቡጥ መረዳእታ ከምዘርእይዎ፡
- ልዕሊ ፍርቒ ተሳተፍቲ ብናይ ዝተፈጥረ ጸገማት ሪፖርቲ ኣይገበር እምበር (ናብ 55% ይኸውን)
- ካብ ትሕቲ ፍርቒ ተሳተፍቲ ሪፖርቲ ከምዘርእዮ ዝኾነ ክፍጠር ዝኽእል ጸገማት (ናብ 44% ይኸውን)
- ካብ ትሕቲ 1% ሪፖርቲ ዘርእዮ ድሕሪ ክታበት ምውሳድ ናብ ሓኪም ወይ ናብ ህጹጽ መሕከሚ ክፍሊ ምኻድ እዩ
- ጸብጻብ ሪፖርቲታት ከምዘርእይዎ ኣብ ኻልኦት ሃገራት ክሊኒካል መርመራን ኽትትልን ምስቲ ዝመጽእ ጸገማት ተመሳሰልቲ እዮም።
ቅድሚ ክታበት ምውሳድኻ ክፍጠር ንዝኽእል ጸገም ክትዳለው የብልካን።
ኣብ ሕድሕድ ክታበት ክፍጠር ንዝኽእል ጸገማት ዝምልከት ዝርዝር መረዳእታ ንምርካብ በዚ ዝስዕብ ምርኣይ፡
ሓገዝ መዓዝ ከምዝሕተት
በዚ ዝስዕብ ምልኽታት እንተሃልዩካ ብዝተኻኣለ ቐልጢፍካ ንሓኪምካ ኣዘራርብ ወይኻዓ ብቐጥታ ናብ ኣስበዳለ ምኻድ፡
- ኸቢድ ወይ ዘይተጸበይካዮ ኢልካ ንዝሓሰብካዮ ምላሽ ምሃብ
- ናይ ትንፋስ ሕጽረት
- ሕማም ሳንቡእ/ኣፍልቢ
- እግርኻ ምሕባጥ
- ዘይጠፍእ ሕማም ከብዲ
- ዘይጠፍእ ከቢድ ሕማም ርእሲ
- ናይ ክታበት መርፍእ ኣብተወግኣሉ ቦታ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ኣብ ቆርበትኻ ኣናእሽቶ ምልክታት ይርኣይ።
ተፈጢሩ ተባሂሉ ንዝተጠርጠር ጸገም ምላሽ ሪፖርቲ ምግባር
ክፍጠር ንዝኻኣለ ጸገም ወይ ጕድዓት መልሲ ከምዘለካ ትጠራጠር እንተኾይንካ ነቲ ጕዳይ ብባዕልኻ ወይ ሓኪምኻ ኣቢልካ ሪፖርቲ ምግባር ትኽእል። ምስ COVID-19 ክታበት ዝተዛመድ ክፍጠር ዚኻኣለ ጸገማት ሪፖርቲ ንምግባር ብዝበለጸ መረዳእታ ምፍታሽ።
ናይ ካሕሳ ገንዘብ ኣሰራርሓ ፕሮግራም
ሓሓሊፉ ዝፍጠር ጸገምአልፎ የሚከሰት ችግር ካጋጠመዎት በእኛ COVID-19 ክታበት መጕዳዕቲ ካሕሳ ገንዘብ ፕሮግራም መሰረት ካሕሳ ንምርኻብ ብቅዓት ክነብረካ ይኽእል።
ብቀጻላይ ስለምኽትታል
ክታበት ዋላ ድሕሪ ፍቓድ ምርካቦም TGA ኣብ ሙሉእ ሃገር ንዝርኸቡ ክታበታት ብዘይምቁራፅ ይከታተል እዩ።
ንድሕንነት ሓደጋ ከቓልዕ ዚኽእል እንተኾይኑ TGA ብዝተኻኣለ ቐልጡፉ ንሓለዋ ጥዕና ትካላትን ነቲ ማሕበረሰብ ሓበሬታ ይህብ።